Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ታሕሳስ 2025)
ን ሎሚ 08 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ናይታ ግዝ ኣት ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ብፍላይ ድማ ኣብ 3CR ናይ ኮሙኒቲ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ን 25 ዓመታት ብዝገበሮ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን ንዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ ተሸሊሙ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣቶ ብርሃን ጃብር ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን “ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል” ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ዘተባብዕ ዝበሎ ሓድሽ ስትራተጂ ዘርጊሑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብ ዘድሃበ ዘተ ከም…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.