Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025)
ን ሎሚ 03 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዝኽሪ ኲናት ዓድዋ ኣብቲ ታሪኻዊ ቦታ ፕረሲደንት ትግራይ ኣብ ዘይብሉ፣ ወከልቲ ፌደራልን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተዘኪሩ ውዒሉ። "ሎሚ እውን ፀላእትና ካብ ዝተሰሓሓተ ስልሒት ኣይወጹን" ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቡ። ብኻልእ ወገን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ "ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ምድሪን ሓይሊ ሳይበርን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ንዝመፅእ ፀላኢ ዘይኽበስ ኮይኑ ተሃኒፁ ኢዩ" ኢሉ። ኣብ መበገሲኡ ዓፋር ዝገበረ 5.2 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዓዲግራት ፡ ዓድዋን መቐለን ውን ተሰሚዑ። ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ኣብ ኣስመራ ዑደት ኣካይዱ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ እንግሊዝ ዓቕሚ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.