Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2024)
ንሎሚ ሰኑይ 16 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ፈለማ ን ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ፡ ተኽብሩ ዘለኹም ኣመንቲ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክብል እፈቱ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ከተማ ሽረ ዝተጀመረ መድረኽ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ረብሻ ተቛሪጹ። ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ንዩክረይን ዝወሃብ ብዙሕ ሓገዝ ንምግባር ተዳልያ ከም ዘላ ገሊጻ ። ኣብ ማራቶን ሲድኒ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብኬንያዊ ብሪሚን ሚሶይ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.