skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

መንግስታት ፌደራን ክልል ትግራይን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ። (ጸብጻብ)

ሰበስልጣን ፌደራላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ህዝቢ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ምፍታሕ ከድህቡ ሕቡራት መንግስታት ፀዊዑ። ሕብረት ኤውሮጳ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣብ ዘውጽኦ ሓዱሽ ጸብጻብ ገሊጹ። ወጻእተኛታት ኣብ አዲስ አበባ መንበሪ ገዛ ንምውናን እንተወሓደ 150,000 ዶላር ኣሜሪካ ክህልዎም ዝሕትት ሓዲሽ መምርሒ ወጺኡ። ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን ከረን - ቁጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ ብ16 ሚእታዊት ዓብዩ ተባሂሉ። ኡጋንዳ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ሰራዊታ ካብ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ወጻኢ ክተጸንሕ ምዃና ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኪርዮ ኪዋኑካ ገሊጹ።

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.