Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሕዳር 2025)
ሎሚ ሓሙስ 20 ሕዳር 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዛዕባ ዉዕል ፕሪቶሪያ ከይትግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ መን'ዩ፧ ሕጋውነት ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ጂኦ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ምስ ናይ ፈለማ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ መዲያ ዝኾነ "ኢትዮ-መዲያ" መስራትን ተንታንን ጸሓፍን ኣብርሃ በላይ ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝኾነት "መስትያት" ዝመስረተ መሓሪ ኣብርሃም ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት መሪሑ ዝተባህለ ኤርትራዊ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ሓሳብ ቀሪቡ። መንግስቲ ካናዳ ንጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ዓባይ ብሪጣንያ ውን መጠንቀቕታ ጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣውፂኣ 'ያ። ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ወተሃደራዊ ልምምድ ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ። ኣብ ኢትዮጰያ ኮነ ቀርኒ ኣፍሪካ ኲናት ዳግም ከይውላዕ ሕብረት ኣውሮፓ ፀቕጢ ንክገብር ፃውዒት ቀሪቡ ። ወተሃደራዊ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.