skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (13 ጥሪ 2025)

ን ሎሚ 13 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ: ኣብ ሱሳታትን ፈለማ ሰብዓታትን ኣብ ኤርትራ ምዕቡል ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ከምዝነበረን ፍሉጣት ጋንታትን ተጻወትን ፈርዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበራ ጋንታታትን ተጻወትን ብቐረባ ዝፈልጦም ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ካብ ዝኽሩ ዘይሃሰሰ ፍጻመታት ነባሪ መልበርን ኢብራሂም ሓጅ ኣዕሊሉና ኣሎ። ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክሮ ኢና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ሊበራል ኣውስትራሊያ ኣብ ምብራቕ መልበርን ብሰንበት [12 ጥሪ] ኣብ ዘካየዶ ዘይወግዓዊ ወፍሪ ምርጫ: ገለ ናይ ምርጫ መብጽዓታት ኣፍሊጡ ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጀርመናውያን ፡ ነቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኣልተርነቲቭ ፎር ጀርመን ዝገበሮ ዋዕላ ዝቃወም ሰልፊ ኣካይዶም። ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ንእትርከብ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.