Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 13 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅድሚ ምጅማሩ ደው ክብል ክልተ ዓበይቲ ዲፕሎማሰኛታት ሓቲቶም። ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ነጺጋ። ፕረዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምሳደራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ምዕራባውያን ዘትዮም ። ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ክፋል ህወሓት ማእኸላይ መንግስቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝቐረበ ጻውዒት ተቓዊሙ። ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዙሕነት ቋንቋታት ቀዳሞት ህዝብታት ዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ዶናልድ ትራምፕ ንናይ ኣውስትራሊያ ንዘቤታዊ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.