skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ታሕሳስ 2025)

** ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ** ጸብጻባት ልኡኽና:- ፕረሲደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንልዝብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ፣ ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ብወገኑ ተኣጊዱ ዝጸንሐ ባንክ ሕሳብ ትእምት ክንቀሳቐስ ከም ዝፈቐደ ኣፍሊጡ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ 10,000 ሰባት ክፍትሑ ጸዊዑ፣ ኢትዮጵያን ህንድን ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ከቲመን፣ ኢትዮጵያ ኣብ 2026 ተወሳኺ ቅልውላው ከጋጥመን ካብ ዝተገመተለን ናይ ዓለም ሃገራት ኣብ 4ይ ደረጃ ተሰሪዓ: ** መራሕቲ ኣመሪካን ኤውሮጳን ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ቅድሚ በዓል ልደት ንምውሓስ ተስፋ ብምግባር ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ዝዓለሙ ዘካይድዎም ዘለዉ ልዑል ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዝርርባት ናህሪ እናወሰኹ ይኸዱ'ለዉ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝርርባት ኣብ ዝተነድፈ ውጥን ሰላም ርኡይ ምዕባለ ኣርእዮም ይብል። ዩክሬን ነቲ እማመ ብሓጎስ ክትቅበሎ እንከላ፡ መጻኢ ናይ'ቲ ብሩስያ ዝተጎበጠ መሬትን ውሕስነት ጸጥታ ንምክልኻል ዳግማይ ተጻብኦን…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.