Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ታሕሳስ 2025)
ን ሎሚ ሰኑይ 1 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ እዋን ከም ብ ኣማዞን ዝበሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝመሃደሩ ንጥፈታት ምብጽጻሕ ኣቑሑ (ደሊቨሪ)፡ ዝኣመሰሉ ኣብ ህዝብና ንነዊሕ ዘመናት ዝስርሓሎም ዝነበሩ ንጥፈታት ኣለዉ። ገዛ ገዛ እናኸዱ ሸቐጣት ዝሸጡ፡ ናይ ምልውዋጥ መስርሕ (ቬላሮባ)፡ እዚ ንነገራት ዳግም ንምምስራሕ ዝተባባዕ ዘሎ ኣብ ህዝብና ልሙዳት ዝኾኑን ምስ ኣከባቢ ዝሳነዩ ተግባራት ነይሮም። ነዞም ብህዝብና ዝካየዱ ዝነበሩ ባህላውያን ንጥፈታት ቁጠባን ኣከባብን ምስ ኣርክቴክት ዮሃንስ በራኺ ዳህሲስናኣዮም ኣለና። እዞም መሃዝነት ዘለዎም፡ ምስ ኣከባቢ ዘሳንዩ ንጥፈታት ቀጺልናዮምን ሒዝናዮም እንተንጓዓዝ መሰረት ምዕባለን ጥዕናን ምዃኖም'ውን ኣብዚ ዕላል ተገሊጹ ኣሎ። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣትዩ ምስ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ካልኦት ሰበስልጣንን ዘትዩ። ጀነራል ታደሰ ወረደ "ዝተወደበ" ዝበሎ ሓይሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምውዳቕ ይሰርሕ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.