skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሓምለ 2025)

ን ሎሚ 14 ሓምለ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ፡ ከባቢ ፒልባራ ዝርከብ ጥንታዊ ናይ ከውሒ ኣሳእል ፡ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ። ብዛዕባ’ዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ኣኻውሕ ስእልታት ቅድሚ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ወይ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ነገራት ንላዕሊ ዝጠንተወ እዩ ። ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ጸብጻብ ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደደልና ኤርትራ ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ አስታት 300 ተማሃሮ ብዲግሪ ኣመሪቓ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ስልኪ ርክብ ኣካይዶም፡ ተቓዋሚ ውድብ #ሳልሳይ_ወያነ ትግራይ ንመጠንቀቕታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኮኒኑ። ብደረጃ ትግራይ ኩሉ ዝሓቖፈ ዘተ ክካየድ ውን ተማሕጺኑ ። ኣብ መንጎ ትግራይን ፌደራልን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን እትህቦ ቪዛ ናብ ሰለስተ ወርሒ ኣሕጺራ ። ዜናታት ስፖርትን ቃለ መሕትትን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.