Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

"ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ እምሕጸን።"ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ። (ጸብጻብ)
ነበርቲ መልበርን ኣውስትራልያ ንምክልኻል ድርቂ ትግራይ 25 ሽሕ ዶላር ኣበርኪቶም። ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ዝተወደበ መኸተ ከም ዝጠልብ ላዕለዋይ በዓልመዚ እቲ ክልል ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ገሊጹ። ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ተማሕጺና። ኮንግረስ ኣሜሪካ ዕድል ሰደድ ናፃ ንግዲ ንዝተመርፃ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጎኣ ክሳብ 2028 ዘናውሕ እማመ ኣጽዲቑ። ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ዝተኣገደት ኢትዮጵያ ግን ምምላሳ ክሳብ ሕጂ ኣይገልጸን። ስዑዲ ዓረብ ምስ ዘስካሕክሕ ገበን ቅትለት ዝተተሓሓዘ ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣውዒላ።
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.