Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ግንቦት 2025)
ን ሎሚ 26 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ዉሽጢን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 34 ዓመተ ነጻነት ኤርትራ የብዕል ኣሎ። ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ስነ ጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ሓጺር ዕላል። ካብ ብባህልን ቋንቋን ዝተፈልዩ ድሕረባይታታት ዝመጻ ደቀንስትዮ ብሰንኪ ፍርሒን ባህላዊ ነውርታትን (ጸለመታት) ኣድለይቲ ክትትላት ጥዕና ካብ ምግባር ይእለያ፣ ይሃድማ ወይ የወግዳ። ነዚ ንምቕያር እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ሰሜን መልበርን ዝርከብ ሓደ ዓቢ ማእከል ዕዳጋ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ካራሩ ብዝሓዙ ኣብ መንጎ 10 ሰባት ባእሲ ምስ ተላዕለ እቲ ማእከል ዕዳጋ ክዕጾ ኣገዲዱ። ... ** መበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ኣብ ወጻእን ክጽምበል ድሕሪ ምቕናዩ ብቐዳም 24 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ብወተሃደራውን ስነጥበባውን…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.