Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2025)
ን ሎሚ 14 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 3 ግንቦት 2025 ወከአልቶም ንፈደራል መንግስቲ ክመርጹ እዮም። ኣባላት ማሕበረሰብና እቶም ቀንዲ ዘአገድስዎም ጉዳያትን ካብ ሕጹያት ዝጽበዮም ፖሊሲታት እንታይ ምዃኖም ኣቶ ልኡል ፍስሃ ዝሃቦ መግለጺ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 18 ዓበይቲ ዝተብሃሉ ሕቶታት ብፅሑፍ ተቐቢሉ። ህወሓት ንፕረዚደንነት ሌ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፁ። ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ። ኣብ ኣውስትራልያ፡ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ሓገዝ ካብ ዝሓተታ ደቀንስዮ 90% ዝኾና ፋይናንሳዊ ዓመጽ ኣጋጢምወን፡ ክኢላታት ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ እተን ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከባ'የን ይብሉ። ነዚ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.