skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሰነ 2025)

ን ሎሚ 02 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር 50 ዓመቱ የብዕል ኣሎ፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዘቕረብናዮም ምልስ ኢልና ንርእዮም ካብ ዘለና መደባት ምስ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝኾነ ኣቶ ፍስሃየ ኣብርሃም ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዝነበረ ሸቐጣ ሸቐጥ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ከም ዝተወሰነ ተገሊጹ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህንዲ ተራኺቡ ዘትዩ፡ ሓዱሽ ውዳበ ትግራይ 'ስምረት' ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይሊ ዝተታሕዙ ግዝኣታት ኣካል ትግራይ እምበር ዘካትዑ ከምዘይኮኑ ኣፍሊጡ። ዴምክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ትግራይ መስራቲ ዋዕላ ከምዘካይድ ገሊጹ ኣሎ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ዝተብሃለ ተሓላቒ ትካል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክኸስስ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ CPJ ዝርከቦም ልዕሊ 31 ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.