Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 17 ሚያዝያ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ትካላት ረድኤት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ናይ ምምዝባል ቅልውላው ኢለንኦ ኣለዋ ። ኣብ ሱዳን ውግእ ሓድሕድ ናብ ሳልሳይ ዓመት [ካብ ሚያዝያ 2023] ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ ፡ ዳርጋ 13 ሚልዮን ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም እዮም ። ኣብታ ሃገር እውን ጥሜት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ፡ ማለት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ስእነት መግቢ ወዲቖም ኣለዉ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ጸብጻባዊ ዜና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሄራዊ ዕርቂ ክግበር መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ደጋፍን ተቓዋምን ኮይኑ ኣብ ክልተ ተኸፋፊሉ ዘሎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ትግራይ ናብ ሓደ ብሄራዊ ምርድዳእ ክመፅእ ክስራሕ ምዃኑ ሓባር ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ናይ 17 ወርሒ ውዝፍ መሃያ መምህራን ክኽፈል ወሲኑ።…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.