skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሕዳር 2025)

ን ሎሚ ሰኑይ 10 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣውስትራሊያ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኩናት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ዝሃበቶ ቀዋሚ ናይ ሰብኣውነት ቪዛ ሓደ ሚሊዮን ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ ። እዚ ኣገዳሲ ቁጽሪ ፡ ስደተኛታት ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ክብሪ ክወሃቦም ደሪኹ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ምስ ዳይረክተር ፔን ኤርትራ ዝገበርናዮ ካል ኣይ ክፋል ዕላልውን ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክትታት ታሕተዋይ ኦሞ መሰል ደቀባት ብምግሃስ ገበነኛ ገይሩ። ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ። ስርዓት ሓመድን ማይን ትግራይ ብኲናት ከም ዝተመረዘ፣ ዘላቒ ሓደጋ ስነ-ህይወት ከም ዘሎ ሓደ መጽናዕቲ ኣጠንቂቑ። ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበሩ ዕጡቓት ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለሱ ገሊጾም። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.