Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (31 ጥቅምቲ 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 31 ጥቅምቲ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብብዝሒ ኤርትራዊያን፡ ኢትዮጵያዊያንን ሶማሊያውያንን ብሓፈሻ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ዝነብርዎ ነዋሕቲ ርሻናት መንበሪ ኣባይቲ መንግስቲ፡ እቲ ህንጻታት ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ክስራሕ መደብ ስለ ዝወጸ ካብቲ መንበሪ ወጺኦም ኣብ ካልእ ክሰፍሩ ዝተገብረ መደብ በቶም ነበርቲ ተቓዉሞ በጺሕዎ እቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ሒዝዎ ይርከብ። ብዕለት 28 ን 29 ጥቅምቲ 2024 ዝወዓለ ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ዉሳነ ከይሃበ ንሓደ ወርሒ ኣናዊሕዎ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ከብርሃልና ንጋዜጠኛ 3 ሲ ኣር ዝኾነ ብርሃን ጃብር እስማዒል ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ክቐርብ እዩ። ኣብ ፈለማ ዘቤታዊ ዓመጽ ብኸመይ ደው ተብሎ? ነዚ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያ በቲ ተዓሊሙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ መጠን ዝቕባበ ካብ 2 ኽሳእ 3 ሚእታዊ ነክዩ እንተሎኳ መጠን ወለድ ግን ክሳብ ዝመጽእ ዓመት…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.