skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ነሓሰ 2025)

ን ሎሚ 25 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ንጥንታዊያን ወነንቲ ናይዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፡ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ውራንጁሪን ዋይውራን ናይ ሀገረ ኩሊንን ዝሓለፉን ዘለዉን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ብተወሳኺ ንጥንታውያን ወነንቲ ሎሚ ካብ ትሰምዕዎ ዘለኹምን ኩሎም መሬታትን ኣቦርጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣፍልጦ ንህብ። ኣብዚ ቅሩብ እዋን “ቀይ ባህር ሲቀላ” ትብል መጽሓፍ ኣብቲ ህዝባዊ ግምባር ን ከተማ ባጽዕ ዝተቐጻጸረላ 1990 ዝነበረ ዘሰክሕ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ትትርኽ መጽሓፍ ተሓቲማ ኣላ። ምስ ጸሓፊ እታ መጽሓፋ ዶ/ር ፍርድኣወቀ ማሞ ዝገበርናዮ ዕላል ካል ኣይ ክፋል ሎሚ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ብሃይማኖውን ባህላውን መልክዓት ተኸቢሩ። ኣብ ዛላምበሳ’ውን ወከልቲ ሕብረተሰብ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ዝተረኽቡሉ ተጸምቢሉ። ኤርትራ ምኽንሻብ ደቅኣንስትዮ ብምትራፍ ዝነኣድ ዉጽኢት…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.