Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኢስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 22 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ባህላዊ ካርኒቫል ቀሪቡ። ፕረዝደንት ታደሰ ወረደን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ተፈፃሚነት ውዕል ፕሪቶሪያ ተመያዪጦም። ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ዳይነታዊ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ገበን ይቕጽል ኣሎ ኣ ክብል - ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪካ ነቒፉ። ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር መበል 50 ዓመቱ ኣብዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፈለማታት ምጅማር ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝቐረቡ ሓሓሊፍና ንድሕሪት ተመሊስና ከነቕርቦም ኢና፡ ንሎሚ፡ ታቦቱ ኣብ መልበርን ዓብያ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ወዲኣ እያ ናብ ርሑቕ ከባቢ ኣቦርጂናዊያን ከይዳ ኣብ ህዝቢ ደቀባት ለውጢ ንኽመጽእ እጃማ ዝገበረት እያ። ነዚ ውሳነ ክትወስድ እንታይ ደሪኽዋ? ህዝቢን ናብራን እቲ ከባቢ እንታይ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.