Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 መስከረም 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 5 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወኒ ኣለዎ ብዝብል ምስ ሶማሌላንድ ዝፈረመቶ መሰማምዒ ዉዕል ስዒቡ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ኣላ፡ ግብጺውን ምስ ምግዳብ ኒል ተተሓሒዙ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ዳግም ኣትያ ኣላ፡ እዚ ኩነታት ነቲ ዞባ ከመይ ክጸልዎ እዩ። ምስቲ ኣብ ቓዛ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ሖቲ ኣንጻር ምዕራባዊያን መራኽብ ንግዲ ዝገብሮ ዘሎ ግጭት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሓፈሻ ኣብ ባሕሪታት ኤርትራ እንታይ ጽልዋ እዩ ፈጢሩ ዘሎ፧ ጅቡቲ ኢትዮጵያ ባዕላ ከተመሓድሮ ትኽእል ወደብ ክትህባ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ። እዚ ቦታ ኣብ መንጎ ማያት ኤርትራን ጂቡቲን ዝርከብዩ ዝበሃል፡ ብዛዕባዚ ኩነታት ዝምዕብል ዘሎ፡ ብሓፈሻ ቀይሕ ባሕሪን ከባቢኡን ካብ ቀደም ብዝተፈልየ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታትን ምስዚ ዝተሓሓዝን ዝምልከት ካብ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ቺፍ ፓውሎ ኣንቶኒዮ ተንቲኑልና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን፣ ኣብ ዞባ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.