skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (7 ግንቦት 2026)

ሰላም ከመይ ትኾኑ ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሓሙስ 7 ግንቦት 2026 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። * ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ እዋን ኣሜሪካ ወደብ ንምርካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከይትጥቀም ንኢትዮጵያ ብጽኑዕ ኣጠንቂቓታ፣ ኤርትራ’ውን ምላሽ ሂባ፣ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኮይኑ ተመሪጹ፣ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲ ምላሽ ሂቡ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ኣብ ገለ ወረዳታት ሰፊሕ ግዱድ ግፋ ይካየድ ከምዘሎ ተሰሚዑ: እዚኦም ናይ ሎሚ ጸብጻባት ዜና’ዮም። * ኣብ ሓንቲ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እተበገሰት መዛወሪት መርከብ ብቐታሊ ተላባዒ ሃንታቫይረስ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ። እዚ ሕማም ኣብ ሰባት ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ ብምዃኑ ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ። ሃንታቫይረስ እንታይ’ዩን ኣብ’ታ መርከብ’ከ እንታይ ኣጋጢሙን ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና።…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.