Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ግንቦት 2025)
ን ሎሚ 12 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ካንሰር ፕሮስቴት እቲ ዝልዓለ ልሙድ ናይ ካንሰር ሕማም እዩ ፡ ኣቐዲምካ እንተተመርሚርካ ግን ብተዛማዲ ንምፍዋሱ ቀሊል እዩ ። ካብ ባህሊን ቋንቋን እተፈልየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ግን ካብ ካልኦት ኣውስትራሊያዊያን ንላዕሊ ብፕሮስቴት ካንሰር ክሓሙ ዝተቓልዑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፀገማት ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መገዲ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ ክብል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ካብ ትግራይ ምዃኑ ብዝተነግረሉ ወርቂ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ብሸርፊ ወፃኢ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ፈስቲቫል ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ ተዛዚሙ። ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ንሕቶኦም ምላሽ እንተዘይረኺቡ ክሳዕ ምቍራጽ ስራሕ ዝበጽሕ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም። ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ብዘጋጠመ ውሕጅ ብውሕዱ 7 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ እቲ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.