skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ

ን ሎሚ ሰኑይ 13 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ክርስትያናት ንበዓለ ትንሳኤ ዘኽብርሉ ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ክጾሙ ሓግዮም በዓል ትንሳኤ ኣብ ምብዓል ይርከቡ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሓዳሪ ኢርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ መልበርን ዝኾኑ ቀሲስ ማርቆስ ክፍለዝጊ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያኖምን ጾምን በዓለ ትንሳኤን መብርሂ ዝሃቡና ናባኹም ከነብሎ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ትንሳኤ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንበይናዊ እገዳታት ነቐፌታ ኣቕሪቡ። ተራ ቻይና ኣብ ዓለምለኻዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዓቢ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጸዊዑ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ ግህሰት ይፍጸም ኣሎ ክብል ተቓዋሚ ውድብ ዲሞክራሲ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ፡ ከሲሱ። ዋጋ ብር ኢትዮጵያ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብ18 ሚእታዊት ብምንካይ ድኹም ኮይኑ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.