Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ታሕሳስ 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 04 ታሕሳስ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልዕሊ መጠን ክብሪ ዋጋታት ኣባይቲ ፡ ነቲ ሰለስተ ሳዕ ዝተገብረ ምጉዳል መጠን ወለድ ንሓደስቲ ዓደግቲ ከርብሖም ከምዘይከኣለ ሓድሽ ሓበሬታ ገሊጹ ። ኣብ ኩለን ርእሰ-ከተማታት ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ይውስኽ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ዝያዳ ኣውስትራሊያዊያን ብሓንሳብ እኩብ ስድራቤታት ክምስርቱ ወይ ናብ ስድራቤቶም ክምለሱ ይገብር ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ ኣለና። ምስ ስነ ጥበበኛ ቶፊቕ ቁስመላህ ዝገበርናዮ ዕላል’ውን ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ናብ ትግራይ ካብ ፌደራል ናይ ክልተ ኣዋርሕ ዝመፅአ ባጀት ከምዘየለ፡ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ "ዝርርብ ኣይክህሉን " ንዝብል ቅዋም ግብፂ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ኢላቶ። ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሱዳን ኣብ ናይ ኣሜሪካ ጥቡቕ ምፅራይ ግሪን ካርድ ተኻቲተን። ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኤርትራ ወፍሪ ቍጽጽር ሳገምቲ ኣዕዋፍ ኴላ-ኴላ ኣካዪዱ። ኣብ ወዳእታ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.