skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 መስከረም 2024)

ንሎሚ ሰኑይ 30 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ድሕሪ ዜና፡ ኣብዚ እስራኤል ካብ ቓዛ ሓሊፉ ናብ ሊባኖስ ሊሒሙ ዘለወሉ እዋን መራሒ ሕዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቀቲሉ ይርከብ፡ ነዚ ኣመልኪትና ሓሳን ናስራላህ መንዩ፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ብዛዕባኡ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ ቀረብ ኤለክትሪሲቲ፡ ተዛዚሙ። ፕረዚደንት ጌታቸው መሪሕነት ህወሓት ምስ መሪሕነት ኤርትራ ጀማሩዎ ዝነበረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ። ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ልቃሕ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ በጺሖም። ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዘለዎም ምስሕሓብ ኣብ መድረኽ ሕ/ሃ ኣቕሪቦም ኢትዮጵያ፣ ብወደብ በርበራ ነዳዲ ንምእታው ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጣ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ዜናታት ሊኡኽልና ኣሎ፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስጕምቲ ውሑስን ሕጋዊን ምንጻል ጥንሲ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.