Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 መጋቢት 2025)
ን ሎሚ 07 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ : መምህር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ ስድራ ቤቱ ብምእላይን ነቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምግልጋልን ኣሕሊፍዎ። ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ወዲሰብ ብምዃኑ ከኣ፡ ብ27 መጋቢት 2025 ካብዛ ዓለም ተፈልዩ፡ መላእ ነበርቲ ማሕበረሰብ ከተማ ብርስቤንን ከባቢኣን ካብ ወጻኢ ድማ ብማንዛን ብዓቢ ስነስርዓት ብ 6 ሚያዝያ 2025 ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ናይ ቀረባ መቓልስቱን ንነዊሕ ዓመታት መናብርቱን ዝኾነ ኣቶ ሚካኤል (ወዲ ቐሺ) ብዛዕባ ህይወት መምህር ጸጋይ ኣካፊሉና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ሽልማት ሕሩያት መማህራን ተጀሚሩ። ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምሳደር ኣሜሪካ ተዛትዮም። ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያን ሕብረት ኣፍሪቃን ፡ ምስ ወከልቲ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሕብረት ርክባት ኣካይዱ። ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 240 ሚልዮን ዩሮ ድጋፍ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ንብርጣኒያ ተቓውሞ ኣስሚዑ። ሰሙናዊ መደብ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.