skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (09 መጋቢት 2026)

ን ሎሚ ሰኑይ 09 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኩነታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስግኣት ምንሃር ዋጋታት መግቢ ፈጢሩ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ስድራታት ኣብ ግዜ ረመዳን ከይጽገማ ተፈሪሑ።።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ዝምዕብል ዘሎ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ (AI) ብዘይካ እቲ ዝህቦ ረብሓ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ እንተ ማዕቢሉ ንዘርኢ ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝከይድ ብልሒ ወይ ዓቕሚ ከምዝህለዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ርድኢትና ብዛዕባ ኣርተፊሽሻላዊ ብልሒ AI ንምስፋሕ፡ ምስቲ ተክኖሎጂ ዝመጹ ዘለዉ ዕድላት ክንጥቀመሎም ክንክእልን ካብቲ ዘሎ ሓደጋታት ብኸመይ ክንከላኸል ከምንኽእልን ምስ ክኢላ ሓበሬታ ተክኖሎጂ (IT) ኤርሚያስ ዘርኣጽዮን ዝገበርናዮ ናይ መወዳእታ ክፋል ቃለ መሕትት። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዝምድና ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ካልኦትን ዘጠናኽር እዩ ዝተብሃለ መድረኽ ኣብ መቐለ ተኻይዱ። ኤርትራ ተወሰኽቲ እሱራት ፈቲሓ። ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ሓፈሻዊ መረፃ ብዘይካ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.