skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ለካቲት 2026)

ን ሎሚ 12 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ ኣውስትራልያ ፡ መጠን ወለድ ናብ 15 ሚእታዊ ክብ ኣቢልዎ። እቲ ምኽንያት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ምንቁልቋል ዝቕባበ ኣብቂዑ ክውስኽ ብምጅማሩ እዩ። እዚ ምውሳኽ ዝቕባበ ካብ ምንታኣይ እዩ ዝብገስ፧ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጸቕጢ'ኸ እንታይ ይመስል፧ ነዚን ተመሳሳሊ ሕቶታትን ዶ/ር ሳልሕ ጅምዕ መብርሂ ሂብሉ ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ሕውየት ድሕሪ ባርዕ ዱር ብኸመይ ይርከብ፧ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወጥሪ ትግራይን ፌደራልን ክሃድእ ፀዊዑ። ህወሓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ የጸግዕ ኣሎ ክብል ከሲሱ። ሰራዊት ምክልኻል ካብ ክልል ኣምሓራ ምንቅስቓሱ ስግኣት ኣስዒቡ። ኤርትራ ብብልሽውና ምስ ቀዳሞት ሃገራት ተሰሪዓ ደረጃ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ናይ መወዳእታ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.