skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 መስከረም 2025)

ን ሎሚ ሰኑይ ባሕቲ መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ብምዃኑ ኣብ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ 1961 ዝጀመረሉ ዕለት ዝዝከረሉ እዩ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቻይና ዝነበረ ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ጌርናዮ ዝነበርና ከነቕርቦ ኢና። ምንዮት ወለዲ ምስ ድሌትን መጻእን ኣውስትራልያውያን ደቆም ከመይ ይሳነ፧ ዝብል ሓደ ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና’። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ መቐለ ኣትዩ። ኣብ ከተማ ማይጨው ቦምባ ከም ዝተደርበየ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ገሊጹ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንነት ዘቕነዐ ማእሰርቲ የጋጥም ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ምጥራዝ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ቀፂሉ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ፡ ማለት ኣብ ሲድኒ ፡ ካንበራ ፡ ብሪዝቤን ፡ ሆባርት ፡ መልበርን ፡ ፐርዝ ን ዞባታትን ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። መራሕቲ መንግስቲን…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.