Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (19 መጋቢት 2026)
ን ሎሚ ሓሙስ 19 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ማእከላይ ባንክ መጠን ወለድ ብ25 ሚእታዊ ብምውሳኽ ናብ 4.1 ሚእታዊት ክብ ኣቢልዎ ኣሎ ። እዚ ብተኸታታሊ ንካልኣይ ግዜ እዩ ምጠን ወለድ ዝውስኽ ዘሎ፣ ኣብ ዝቕጽል'ውን ክውስኽ ትጽቢት ይግበር። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ናይ ሎሚ ዓመት ረመዳን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓያል ዉግእ ኣብ ዝካየደሉን ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ጽልኣት ምስልምና ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ከምዝዓቢ ሓድሽ ሓበሬታ ዝወጻሉን እዩ ዝጽወም ዘሎ። እዚ ኩነታት ን ኣመንቲ ብኸመይ ጸልይዎም፧ ኣብ ዝተፋለልዩ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ተዓጊቶም ዝለዉ ኣዝማድ ቤተ ሰብን ምስዚ ዛዕባ ዝተሓሓዝ ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን ጃብር ዝተገብረ ጻኒሒት ካልኣይ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ እዩ። ሞያ ስራሕ ምትርጓምን ምስትርጓምን፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ፥ ልኡኽ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.