Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ሊባኖስ ካልእ ቓዛ ከይትኸውን ተሰጊኡ፡ ሕዝቦላህን እስራኤልን ምጥቕቓዕ ደው ከብላ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።
እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ክልተ መዓልታት መጥቃዕቲ ብ ኣየር፡ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ሕዝቦላህ ዝርከቦም 600 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ካብቲ ብ2006 እተገብረ ውግእ ንደሓር ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕዝቦላን ዝኸፍአ ውግእ ተባሂሉ ዘሎ ንገለ ክፋል ርእሰ ከተማ ሊባኖስ በይሩት ኣዕንዩ ኣሎ ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዘሎ ግጭት ኣብ ጋዛ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንኽልቲኦም ወገናት እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ናብ ዞባዊ ውግእ ከየምርሕ ንድሕሪት ክምለሱ ይጽውዑ ኣለዉ ።
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.