Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ጥሪ 2026)
ን ሎሚ 19 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታትን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታትን ንኣውስትራልያ ወሲኽካ ምስ ፈተውትን ጸላእትን ዘሰሓሕቡ ኮይኖም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ወሪሩ ዝጨወየ ስርሒት፣ ምፍርራሓት ወራር ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳ፣ ግሪንላንድ፣ ኮሎምቢያ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ናይ ቀረባ ኣብነታት'ዮም። ነዚኦም ምዕባለታት ምስ ግብረመልስታት ዓለምን ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣሜሪካን ብምንጽጻር ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ዝሃቦ መብርሂ ኣለና። ንሎሚ (19/01/2026) ኣብ ካልኣይ ክፋል ዕላልና ዶክተር ኣማኑኤል ትርጉምን ኣመጻጽኣን ትራምፕ ዝጥቀመሉ ዘሎ 'ሞንሮ ዶክትሪንን' ምላሽ ኣውስትራልያን ክትንትነልና'ዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ጥምቀት፡ ኣስመራ፣ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኽበር…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.