skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (23 መጋቢት 2026)

ን ሎሚ ሰኑይ 23 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነታ ኣብ ምበል 66 ዓመት ዕድሚኣ ዝሞተት ወኪል ዓበይቲ ዓዲ ኣብ SBS ሰበይቲ ዊድጃቡል ዊያ ባል ሮዳ ሮበርትስ ክብርን ዝኽርን ይወሃብ ኣሎ ። በቲ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕማም ዓይነት መንሽሮ ማህጸን ምስ ሓዛ ድሕሪ ሓጺር ቃልሲ ፡ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ [21 መጋቢት] ኣብ ሃገራ ፡ ስድራ ቤታ ኣብ እተኸብበትሉ ዓሪፋ ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ሱዳን ርክብ ትግራይን ኤርትራን ዘጎልብት ዩ ዝተብሃለ መድረኽ ተኻይዱ ። ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ፡ ትግራይ ናብ ኩናት ክመልሳ ዘገድድ ጉዳይ " ተመዛበልትን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይምምላሶም ዩ” ክብል…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.