Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 መጋቢት 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 06 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዕዉት መጥባሕቲ ዓይኒ ኣብ ሆስፒታል ናቕፋ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ትካል መዕቆብን መድሕንን ጉዱኣት ኣካል ኵናት ትግራይ 54 በዓል 3 እግሪ ናይ ኤለክትሪክ ሞተራት ንሓርበኛታት ጉድኣት ኲናት ተጋደልቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ። ወከልቲ ሰራዊት ትግራይ ናብ ቤት ምኽሪ ክኣትው ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዳግማይ ፀዊዑ። ኣብ ክልል ኣምሓራ - ንሰደድ ሰሊጥ ዝጸዓና መካይን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ህይወት ሰባት ጠፊኡ ግዳይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኾነ ፋብሪካ ሽኮር ከሰም ትካሉ ይዓጹ፡ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት የፋኑ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝጸንሑ ስደተኛታት ረዳኢት መርከብ ረኺቦም። ኣውስትራሊያዊያን ኣብዚ ዓመት ናይ ፈደራል ወከልቶም ክመርጹ እዮም ምስዚ ዝተሓሓዝ ኣብ ምርጫ ድምጺ ንምሃብ ብኸመይ ትምዝገብ፧፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ።…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.