Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ለካቲት 2026)
ን ሎሚ 19 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛን ምስ’ዚ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ መሊሱልና ኣሎ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጸሓይ (sunscreen) ኣብ ኣውስትራሊያ ክንርእይ ኢና። ኣርእስታት ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ፕረዚደንት ትግራይ ናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ሰላማዊ ምላሽ ክረኽቡ ፃዕሪ ይግበር…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.