Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 መጋቢት 2026)
ን ሎሚ ሰኑይ 16 መጋቢት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣታዊታት ሩስያ ካብ ሰደድ ነዳዲ ኲናት ኣሜሪካ-እስራኤል ኣብ ኢራን ካብ ዝጅመር ንድሓር ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ ክብሉ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም፡ ሩስያ ነቲ ናታ ኲናት ኣብ ዩክረይን ንምምዋል ክጥቀመሉ'ያ ዝብል ፍርሒ ድማ ኣሕዲሩ'ሎ። ።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ብዛዕባ ረመዳን፡ ኣብ ልዕሊ ምስልምና እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽል ኢ ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጽልዋ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ዝገበርናዮ ዕላል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ቀዳማይ ‘ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ’ ከካይድ ምዃኑ ኣፍሊጡ "ተስፋ ለ ሰላም" ብዝብል ተበግሶ ኣብ መንጎ ትግራይ፣ ኣምሓራ ዘተ ንምክያድ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ሜላት ኪሮስ ኣብ ዴንቨር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዲሞክራታት ቀዳማይ ብርኪ መረፃ ዓወት ኣመዝጊባ። ኹሉ መደባትና…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.