Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ግንቦት 2025)
ን ሎሚ 19 ግንቦት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። 69 ዝዕድመኦም ጳጳስ ሮበርት ፕረቮስ መበል 267 ቅቡእ ዝፋን ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም፡ ሊዮ መበል 14 ተባሂሎም ነታ ልዕሊ 1.4 ብልዮን ኣመንቲ ዘልውዉዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክመርሑ ተመሪጾም ኣለዉ። ሓድጊ ሊቀጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምምራጽ ሊዮ መበል 14 ካቶሊካዊያን ክመይ ከምዝተቐበልዎ ኣብ ኣውስስትራሊያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝመጹ ካቶሊካውያን ዘገልግሉ ዘለዉ ምስ ኣባ ስምኦን ምሕረተኣብ ዝገበርናዮ ዕላል ካል ኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ሎሚ ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ንክስታት አቶ ጌታቸው ረዳ ነፂጉ። ሎምቅነ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ካብ ዝኣተዉ ተጋሩ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝደልዩ ከም ዘለዉዎም ተገሊጹ። ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ። ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ ሶኑይ ጀሚሮም ብደረጃ ሃገር ኣድማ ከካይዱ ምዃኖም ኣፍሊጦም። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.