Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ነሓሰ 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 01 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ዕላል ምስ ጋዜጠኛን ገጣምን ሃይሉ ሳህለ ኣብዚ ክፋል ብዛዕባ ኣብ መጽሓፉ ዝርከባ ግጥምታት ኣዕሊሉ ኣሎ። ሎሚ ካል ኣይ ክፋሉ ከነቕቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ኣብ ኲናት ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ዘወንን ሕጊ ኣጽዲቑ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ‘ጸለመ’ዩ’ ዝብል ምላሽ ተዋሂቡዎ። ሸርፊ ወጻኢ ብዕዳጋ ክውሰን ንዝኣወጀት ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ዓመታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ክትረክብ ተመዲቡ። ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣጋር መዓልታዊ ነቲ ብእግሪ ናይ ምጉዓዝ ሕጊ ብዘይምፍላጥ ሕጊ የፍርሱ ። እዚ መቕጻዕቲ ከስዕብ ይኽእልን ሓሓሊፉ'ውን ሓደጋ የስዕብን፡ ነዚ ዝምልከት ሕግታት ተጓዓዝቲ ኣጋር ዝብል ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትራሊያ ፡ ድሕሪ ቅትለት…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.