skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ጥሪ 2025)

ን ሎሚ 27 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ትማሊ 26 ጥሪ ዓመታዊ ዝኽበር መዓልቲ ኣውስትራሊያ ወይ ኣውስትራሊያ ደይ ተኸቢሩ ዊዒሉ፡ ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ሕብረተሰቦም ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣፍልቶን ሽልማትን ሓንቲ ካብ ኦም ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም ካብ ኲንስላንድ ናይ 2025 "Medal of the Order of Australia" ተሸላሚት ኮይና ኣላ። ናብዚ ዘብጽሐ ጉዕዞን ናብዚ ንምብጻሕ ዘጋጥማ ብድሆታትን ካብዘካፈለትና ሎሚ ቆንጪልና ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ጽንብል ስርዓተ ሲመት 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ተፈጺሙ ። ፖለቲካ ትግራይ ናብ ፖለቲካዊ ባዶ ድምር ወሪዱ ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ኩነተት ክትኣትው ምኽንያት ኮይኑ'ሎ: ክብል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምም/ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ ። ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ዘሎ ሃገራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ሬጋሳ ጸዊዑ። ኤርትራ፡ ቀይዳቶም ዝጸንሐት ተወሰኽቲ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.