Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ጥቅምቲ 2025)
ን ሎሚ ሰኑይ 13 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣዳላዊን ኣቕራብን ኣዝማሪኖ ዶት ኮም ዝነበረ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ብብዙሓት ከም ኣርኣያ፡ ጀማሪ ነጻ መዲያ ኣብ ወጻኢን ኣጆኻ በሃልን ብኻልእ ሰናት ተግባራቱን ይዝከር። ክብርታቱ ንምቕጻል ብዝብል “Tesfaldet Alem Meharena Servant Leader for Justice Award.” ዝብል ዓመታዊ ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኡ ንኽወሃብ ኣብ ምሽብሻብ ከምዘለዉ ኣወሃሃድቲ ገሊጾም። ብዛዕባ ክብርታት ተስፋልደትን ዝገደፎ ሓድግን ዝምልከት ምስ ቀዳማይ ተሸላማይን ኣዳላዊ “መስትያት ቤትና” ዝኾነ ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ኣለና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ብፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ ፡ ኢጣሊያ ኣትዩ፡ ኣብ ትግራይን ዓፋርን 5.3 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሰምዐ ተገሊጹ; ኣብ ዓፋር ህይወት ሓደ ሰብ ኣሕሊፉ ፤ ናይ ኣስታት 43 ሺሕን ሰባት ገዛ ኣዕንዩ። ቀይሕ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.