Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025)
ን ሎሚ ሰኑይ 20 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ ኣቦ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ናይ ፈለማ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝጀመሩን ንባይቶ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና ድሕሪ ዜና ከነቕርቦ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ምንቅስቃስ ዘይሻራዉያን ሃገራት ተሳቲፋ ጽገና ዓለማዊ ስርዓት ክግበር ተማሕጺና። ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 110 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣቲዩ። ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ገበን…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.