Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክትስሕብ ሓቲታ: ኤርትራ ብወገና ነዚ ክሲ ምላሽ ሂባ። (ጸብጻብ)
ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ብህፁፅ ክትስሕብ ሓቲታ። ኤርትራ ብወገና ወተሃደራታ ናብ ትግራይ ኣትዮም ንዝብል ክሲ ምላሽ ሂባ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕትታት ክፍጸሙ ይኽእሉ 'ዮም ክብል ኣጠንቂቑ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ ስክፍታኡ ገሊጹ። ብሪጣንያ ብወገና ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ህይወት ዘድሕን ሓገዝን ዳግማይ ክጅመር ጸዊዓ። ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሶሎዳ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ 5 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ። ኢትዮጵያን እስራኤልን ብህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ምዝታየን ተገሊጹ።
#sbsaudiopodcast
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.