Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ሓምለ 2025)
ንሎሚ ሰኑይ 21 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብዕለት 12 ሓምለ 2025 ኣብ ከተማ ብርስበን ሓድሽ ህንጻ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያምን ቅዱስ ሚካኤልን ጳጳሳት፡ ዕዱማት ወከልቲ መንግስቲ ኣውስትራሊያን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውስትራሊያን ብርስቤንን ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዝተረኽብሉ ተመሪቑ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ምስርሕ ህንጻን ኩነታት እታ ቤተ ክርስትያንን ምስ ኣመሓዳሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ቀሺ ገብረብርሃን ወልደ ገብሪኤልን ኣቦ ወምበር ኮሚቴ ህንጻ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤልን መብርሂ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት ትሕዝቶና ክቐርብ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ኤሪ ቲቪ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብን ካልእ ትሕዝቶን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ዓብላሊ መናብር ዘለዎ ሰልፊ ለበር ባይቶ ስርሑ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝጅምረሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ካብ መውዓሊ ህጻናት ጀሚሩ ክሳብ ናይ ተማሃሮ ዕዳ ምዕራይ ስጉምቲ ክወስድ ትጽቢት ይግበር ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.