Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 መስከረም 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 04 መስከረም 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣንጻር ስደት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ነበሩ ። ስደተኛታት ግን ነዚ ኣብዚ ሃገር ዝርአ ክብሪ መነባብሮ፡ ቅልውላው ገዛን ካልእ ቁጠባዊ ጸገማትን ስደተኛታት ተሓተቲ ድዮም፧ ክኢላታት ነዚ ኣንጻር ስደተኛታት ዝግበር ተቓዉሞ ብኸመይ ይግምግምዎ፧ ነዚ ዝምልስ ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ካይሮ ምስ መዘንኡ ኣምባሳደር ኤርትራ ከም ዝተመያየጠ ተገሊጹ። ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ንወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዕዉት መጥባሕቲ መዓናጡ ተኻይዱ። መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ናይ ፍርቂ ቢልዮን ብር እምነ ኩርናዕ ፕሮጀክት እምነ ሰረት ተቐሚጡ። ኣብ መኾኒ ብዝተፈጸመ ቅትለት ሓደ ሰብን መውቃዕትን ዝተጠርጠሩ ዛጊድ ድማ 16 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም፡ ካብዚኦም…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.