skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ሰነ 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 12 ሰነ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ኣዲኣን ኣሕዋታን ኣብ መንበርን ትነብር ፋሺን ዲዛይነር በዓልቲ ብሩህ መጻኢ ዊኣም ዓብዱ ሐጅ፡ ቅድሚ በቲ ዓውዲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ምጅማራያ ብንእስነታ ነቲ ሞያ ጀሚራቶ፡ እቲ ትነጥፈሉ ዓውዲ ብኸመይ ጀሚራቶ፡ ዕድላቱን ግድላቱን፡ ህልዊን መጻኢን መደባታን ካልእን ኣዕሊላትና ኔራ። (ብምኽንያት 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ዳግም ሎሚ ከነቕርቦ ኢና፡። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ተምሃሮ ሃገራዊን ብሄራዊ ፈተና ምውሳድ ጀሚሮም። ኣብ መቐለ ናብ ዓድና ምለሱና ዝበሉ ሰልፈኛታት መቐለ ሓጹር ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ጥሒሶም ኣትዮም። ናይ ኢትዮጵያ ረቂቕ በጀት 2018 ዓ.ም 1 ነጥቢ 93 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ቀሪቡ። ካብዚ ናይ ትግራይ 18.9 ቢልዮን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ትርከበን 12 ሃገራት ዘንበሮ እገዳ መገሻ ኣብ ስራሕ ውዒሉ። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.