Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (28 ሕዳር 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 28 ሕዳር 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶ/ር ሳዕድያ ሓሰኒን ካብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም በዓልቲ ሞያ ኣንትሮፖሎጂ ኮይና፡ ብዛዕባ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ስዊድንን ኣውስትራሊያን መጽናዕቲ ተካይድ ምህርቲ እያ። ኣብዚ እዋን ሕማም ለበዳ ኮቪድ ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን መጽናዕታ ተካይድ ኣላ። ብዛዕባ ትገብሮም መጽናዕትታትን ብሓፈሻ ብዛዕባ ስርሓን ኣዕሊላትና ኣላ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተመያዪጦም።ኢትዮጵያን ክኢላታት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ካልኣይ ዳግመ ግምት ናይቲ ዝተናውሐ ውዕሊ ልቓሕ ተሰማሚዖም። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ይርከቦ። ምርዳእ ብዛዕባ ኣብያተ መድሃኒት ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ከም ዝሰርሕ፥ ኣርእስቲ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ንትሕቲ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.