Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግሪኛ (20 ጥሪ 2025)
ን ሎሚ 20 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ : ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ጥምቀት ብተኸተልቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ መቐለ፣ አስመራን ኣዲስ ኣበባን ብድምቀት ተኸቢሩ። ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ኣባ ማትያስ ቀደማዊ ንመራሕቲ ትግራይ ገሲፆም። ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምትእትታው ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ። መጠን GDP ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ 207 ቢልዮን ዶላር ናብ 100 ቢልዮን ዶላር ከምዝወረደ ተገሊጹ። ኤርትራ ንህዝቢ ፍልስጤም ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ መራሒ ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ የሆል ማእሰርቱ ክሳብ 20 መዓልታት ክናዋሕ ኣብ ዝወሰነሉ ቤት ፍርዲ ደገፍቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ሶል ደፊኦም ነቲ ቤት ፍርዲ ወሪሮም ። ዶናልድ ትራምፕ ፡ ቅድሚ ናይ ካልኣይ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.