Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ለካቲት 2026)
ን ሎሚ 26 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ዝነውሐ መደረ ዝተሰምዓሉ ስቴት ኦፍ ዘ ዩኒዮን መደረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ "ወርቃዊ ዘመን" ከም ዘላ ኣዊጁ ። ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ ኣለና። ምስ ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ ዝገበርናዮ ዝርርብ ብዛዕባ ስደትን ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዘስዕቦ ጉድኣትን ክንምለሶ ኢና። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት፡ ፕረዚደንት እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ ዝነበረ ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘትዩ። ውድብ ወለዶ ትግራይ፡ ነቲ ሲቪልን ፖለቲካዊን ውድባት ትግራይ ብተመሳሳሊ ድምጺ ንዝተቓወሙዎ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ንክእገድ ክሲ መስሪቱ። ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ትግራይ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ዝነበረ ነዳዲ ከም ዝተቛረጸ ኣፍሊጡ። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ክንዮ ቅዲ: ዕብይት ፋሽን ናይ ቀዳሞት…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.