skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

“ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተታሕዘ ናይ ብዙሓት ናይ ሓባር ጉዳይ ኮይኑ ስለዘሎ ካብ ገዛኹም ክትወጹ ብውልቂ ንዝመጻኩም መልእኽቲ ተጠንቀቑሉ፣” ብርሃን እስማዒል ጃብር

ክቡራት ሰማዕትና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቶም ብዙሓት ካብ ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ካልኦትን ዝነብሩሎም ኣብ 1960ታት ዝተሃንጹ ህዝባውያን ወይ መንግስታውያን ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ከፍርሶም መደብ ሒዙ ክሰርሓሉ ጸነሑ'ዩ። ዝበዝሑ እቶም ሰማይ ጠቀስ ህንጻታት ዕድሚኦም ወይ ድልዱላት ኮይኖም ዝጸንሕሉ ዕድመ 50 ዓመት ስለዝሓለፈ፣ ንመጸገኒኦም ጥራይ ኣብ ዝመጹ 20 ዓመታት ልዕሊ 2.3 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ፣ ዘመናዊ ኮዳት ህንጻታት፡ ብሃገር ደረጃ ዝስርሓሎም መለክዒታት መጠን ሃልኪ ጸዓት ድሕሪ ደጊም ኣየማልኡን፣ ንዝበዝሑ ነበርቲ ብቐሊሉ ክኣትዉሎምን ክወጹሎም ዝኽእሉ ምቾት ኣይፈጥሩን ወዘተ ዝብሉ ምኽንያታት መንግስቲ የቕርብ። እቲ እንኮ ቅቡል ወይ ዘላቒ መፍትሒ ኣፍሪስካ ምህናጾም'ዩ ክብል ከኣ ጸኒዑ'ሎ። ነበርቲን ተጣበቕትን ናይ`ቶም ህንጻታት ግን ዘመናዊ ንምግባሮም ከምዘለውዎ ጽገና ክግበረሎም ይኽእል`ዩ፣ ንምፍራሶም ክውሰን`ንከሎ ምሳና ምምኽኻር ኣይተገብረን፣ መንግስቲ ንምፍራሶም…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.