Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ለካቲት 2026)
ን ሎሚ ሰኑይ 23 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ኣትዩ ኣመንቲ ምስልምና መላእ ዓለም ገለ መዓልታት ጾምን ስዕረትን ኣጠናቒቖም ኣለዉ። ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣዳራሻት ቤት ንግድታት ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ቁጽሪ ጸወምቲ ንምእንጋድ መዓጹአን ነዊሕ ሰዓታት ክሳብ ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይን ሰዓታት ወጋሕታን ይኸፍታ’ለዋ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.